ቃል ምስጋና|Thank You!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢ ሃገራትን ፋሕ ኢልና እንርከብ፣ ደቀንን ደቅ-ደቀንን ንነፍሰ-ኄርት ወይዘሮ ሓጎሳ ወልደጊዮሮግስ፣ በቲ ምኽንያት ሞተን ዘጋጠመና ዓብዪ ሓዘን፣ ብዙኃት ካህናትን ደናግልን ካብ ሰበኻ ዓዲግራት፣ ብፍላይ ከዓ ብኣሻሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ወረዳ ኢሮብን ከባቢኡን፣ ከማኡ'ውን ብዙሓት ደቅ ኢሮብ ካብ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን ካልእ ቦታትን፣ ሥራሓውቶም ገዲፎም፣ ክሳብ ዓሊቴና ተጓዒዞም፣ ንወላድትና ብዓብዪ መዓርግን ክብሪን ዓጀብን ጸሎትን ስለዝቐበሩልናን ስለዘጸናነዑናን፣ በዞም ቁሩባት ቓላት ዝዓዘዘ ልባዊ ምስጋናና ንገልጽ። ኣምላኽ ባዕሉ፣ ድኻማቶምን ጻማኣቶምን ርኢዩ፣ ብጸጋታቱ ኣብ'ዚ ዓለምን ኣብቱ ዚመጽእ ሰማያዊን ኣኻዕቢቱ ንኪኸፍሎም ንምነን ንልምንን!

ቤተሰብ ወ/ሮ ሓጎሳ ወልደጊዮርግስ


ኣብዙይ ለጢፍናዮ ዘሎና ቪድዮ ብመዓልቲ ቐብሪ ወላዲትና ዝተልዓለ፣ ባዕሉ ዝኸኣለ፥ ሕዝቢ ኢሮብ ንወላድትና ወይዘሮ ሓጎሳ ወልደጊዮርግስ፥ ክንደይ ዚኣክል ፍቕሪን ኣኽብሮትን ከምዝነበሮ ዚገልጽ ቪድዮ ኢዩ። ሽሕ'ኳ 2 ሰዓት ዚወስድ ቪዲዮ እንተኾነ፣ መንፈስካ ዜለዓዕልን ኣብ ሓላፊ ሕይወትካ ንከተስተንትንን ዜተሓሳስበካ ቪዲዮ  ከዓ ስለዚኾነ፣ ርግእ ኢልካ ብሓዘን ከይተዋሓጥካ፣ ምርኣዩ የድሊ።

No comments:

Post a Comment