ሓጺር ታሪኽ ሓጎሳ ብትግርኛ


ናይ ወላዲትና ወ/ሮ ሓጎሳ ወልደጊዮርግስ ሓጽር ሕይወት ታሪኽ
ወላዲትና ሐጎሳ እንካብ አቦኤን ወልደጊዮርግስ ደበሳይን እኖኤን ማና ሐየሎምን ብ24 ጥሪ 1906 ዓ.ም. ኣብ ኣራዕዋየን እተብሃለት ቑሸት ተወልዳ፡፡ ክርስትና ኣብ ዓሊቴና ልደታ ለማርያም ቤተ ክርስቲያን ብኣባ ቪንቸንስዮስ ብ16 የካቲት 1906 ዓ.ም. ተቐበላ፡፡ ክርስትና ስመን ድማ ወለተማርያም ተብህለን ተጸውዓ፡፡ ክርስትና እኖኤን ከዓ እናቴ ፍስሐ ፍሡሕ አራዕዋየን ይበሃላ ነበራ፡፡
እኖኤን ወ/ሮ ማና ሐየሎም ንሓጎሳን ንምዕባየን ንመድኅንን ምስወለዳ፣ ብሕፃውንተን እንከለዋ ብሞት ካብዙ ዓለም ተፈልያ፡፡ ወ/ሮ ሓጎሳ ብጣዕሚ ውዕይቲን በላሕን ስለዝነበራ፣ እንታይ ኮን ክትከውን ኢያ እናበሉ፣ ኣቦኤን አቶ ወልደጊዮርግስ ብዙሕ ይጭነቑ ነበሩ፡፡
ንወ/ሮ ሓጎሳ እኖኤን ማና ሓየሎም ምስ ሞታ፣ ኣሞኤን ወ/ሮ ለቱ ደበሳይ ወሲደን ኣዕበያኤን፡፡ ንወ/ሮ ሐጎሳ ኣሞኤን ወ/ሮ ለቱን ባዕልቤተን ኣቶ ሓሊቦ ጻዕሩን፡ እንካብ ዝወለዱዎም ደቆም ንላዕሊ እናተኸናኸኑወን ኣዕበዩወን፡፡ብፍላይ አቶ ሓሊቦ ጻዕሩ፡ ብምሕንቃቕን እንካብ ዝወለዱዎም ደቆም ንላዕሊ ይከናኸንወን ነይሮም ይበሃል፡፡ ወ/ሮ ሓጎሳ ብንእስነተን ጊዜ ብጣዕሚ ውዕይትን ኃይለኛን ስለ ዝነበራ፣ ኣሞኤን ይቐጽዑወን ነይረን ይበሃል ፡፡ ኣቶ ሓሊቦ ጻዕሩ ግን፡ ግደፊ ኣይትተንክፍያ እናበሉ፣ ይከላኸሉለን ነይሮም ይበሃል፡፡ ወይዘሮ ሓጎሳ'ውን እንካብ ኣሞኤን ንላዕሊ፡ ንአቶ ሐሊቦ ጻዕሩ ይፈትዋ ከምዝነበራ ባዕለን ይትርኻ ነይረን፡፡
ወይዘሮ ሓጎሳ ምስ ዓበያ፣ ንእተወሰነ ጊዜ ኣብ ጎልዓ ምስ ኣቦኤን ወልደጊዮርግስ ደበሳይ ከምዝተቐመጣ ይንገር። ንዝተወሰነ ጊዜ ምሰቦኤን ድሕሪ ጸኒሔን፣ ናብ ኣቶ ሐሊቦ ጻዕሩን ኣሞኤን ለቱ ደበሳይን ንኣዎ (ኢሮብ) ተመልሳ፡፡
ወይዘሮ ሓጎሳ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሓ፣ አቶ ሓሊቦን ኣሞኤን ወ/ሮ ለቱን ምስ ኣቶ ባራኺ ወልደጊዮርግስ (ደውሃን) ሓዳር ኣግበሩወን ፡፡ ኣብ ኣዎ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ድማ ብአባ ተክለሃየማኖት (ሳዕሥዕ) ብ1927 ዓ.ም. ቃል-ኪዳን ኣሠራ፡፡
ወይዘሮ ሓጎሳ ወላዲት 5 ኣወዳትን 2 ኣጓላትን ነበራ፡፡ እንካብ ዝወለዳኦም 7 ደቅ ክልተ - ሓደ ወደንን ሐንቲ ጓለንን - ብሞት ተፈልዮምወን፡፡ ዝተረፉ ሓንቲ ጓልን ኣርባዕተ ኣወዳትን ገና ብሕይወቶም ኣለዉ፡፡ እንካብ እቶም ኣወዳት ክልተ ዓለማውያን እንትኾኑ፣ ክልተ ከዓ ብክህነት ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ እዮም፡፡
ባህርይ ወ/ሮ ሐጎሳ፡- ወ/ሮ ሓጎሳ ብሰብ ተፈታዊ ጠባይን ባህርይን ዝተዓደላ፣ ብኹሉ ሰብ ዝፍተዋ፣ ጥዕምቲ ሰብ ነበራ፡፡ እንትርፍ ጽቡቕ እምበር ክፉእ ነገር እንካብ ኣፈን ዘየውጽኣ፣ ትዕግሥተኛ ነበራ፡፡ ዘይደለየኦ ነገር እንተገጠመን፣ ገጸን ናብ ካልእ ወገን ቅይር የብላ ድኣ ነይረን እምበር፣ እንካብ ኣፈን ሓንቲ ሕማቕ ነገር ዘየውጽኣ፣ ትዕግሥተይናን ፍሉይ ናይ ኣምሓድራ ክእለት ዝነበረን ፍልይቲ ሰብ ነይረን፡፡ ምስኩሉ ጎረቤት ፍቕርን ሥኒትን ነበረን፡፡ ምሳኡ ከዓ፡ ርትዕነት ብዝምልከት፣ ናይ ተፈጠሮ ፍሉይ ኣፍልጦ ነበረን፡፡ ብተፈጥሮኤን ከዓ፡ ዓጽመን ከም ሓጺን ከብድ ነይሩ፡፡ ማንም ብሥራሕ ዚወዳደረን ኣይነበረን፡፡
መንፈሳዊ ሕይወት፡- ወ/ሮ ሓጎሳ ብሐቂ መንፈሳዊት፡ ጸሎተይና፡ ፈታውዊት ምሥጢራትን ንሥሓን ቝርባንን ነበራ፡፡ ፈታዊት መቝጾሪያን ጸሎትን፣ ምሉእ ለይቲ ጸሎት መቝጸሪያ እናደገማ ዝሐድራ ዝነበራ ወላዲት ኢየን ዝነበራ፡፡
ናይ ሥራሕ ሙያ፡- ወ/ሮ ሓጎሳ ብደቅ ኣንስትዮ ሙያን ውሕልነትን ተወዳደሪት ሰበይቲ ኣይነበራኤንን፤ ብውሕልነት ኣብቱ ከባቢ ተፈላጥት ነበራ፡፡
ወ/ሮ ሐጎሳ ኣብ ናብራ ኃዳር፡- ናይ ወ/ሮ ሐጎሳ እሙን በዓል ቤት፡ ኣይተ ባራኺ ወልደጊዮርግስ፡ ብጣዕሚ ኣብ ልቦም ጽሩይ ሰብ፡ ብኹሉ ሰብ ዝተፈልጡ፣ ሓሓንሳብ ግና ቁጡዕን ኃያልን ሰብ ነበሩ፡፡ ብብዙሓት ድማ ዝኽበሩ ሰብ ነበሩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ገዛኦም ቀጻዕን ገናሕን ስለዝነበሩ፣ ኣብ ቤት ተፈራሒ ሰብ ነበሩ፡፡ እንተዶ ወ/ሮ ሓጎሳ ብዕግሥተንን ብኣማሓድራኤንን ብልሓተኛ ስለዝነበራ፣ ንኃዳረንን ንደቀንን ብትዕግሥተንን ብጥበብን የማሐድራ ነበራ፡፡  ወ/ሮ ሐጎሳ ንኩሉ ነገር ብትዕሥተን ገይንረን ይጾራኦን የሸንፋኦን ነበራ፡፡
ወ/ሮ ሐጎሳ ባዓልቲ ጸጋን በዓልቲ ንብረትን እውን ስለዝነበራ፣ እዚታት ንምምሕድዳር ብዙኅ ላዕሊ ታሕቲ ይብላን ይጽዕራን ነበራ፡፡ ዝወለዳኦ ውሉድ መብዝኅቶም ኣወዳት ስለዝነበሩ፣ ብሃገረሰብ ናብራ ተወጻዒት ነበራ፤ ብዙኅ ጻዕሪን ልፍዓትን ዘሕለፋ ኃያልን ጻዓትሪትን ነበራ፡፡ ንኣብነት ማይ ንምቕዳሕ እንክኸዳ ከለዋ፣ ቆልዓ ቅድምት፡ ዕትሮ ድሕርት ተሸኪመን፣ ንዕንጸይቲ እንክኸዳ፣ ዕንፀይቲ አብዝባነን፡ ቆልዓ ኣብ ሑቕፈን እናተሸከማ፣ ላዕሊ ታሕቲ ይብላ ነበራ፡፡ ኣብ ገጠር ከም'ዙ ሎሚ ጊዜ፡ መጥሓን ኣብ ፈቐዶ ቦታ ኣይነበረን፡፡ ሾመንተ ቤተሰብ ኣጋይሽ (ወሲክካ) ብባህላዊ መጥሓን ለይቲ እናጣሓና ሐዲረን፣ ጉሐትን ምሸትን መግቢ እናሰናደዋን፣ ንንብረት ከብቲ፡ ንኣጣል ቀለበን ብምስንዳው፣ ብገጠር ናብራ ከቢድ ሕይወት ዘሕለፋ እኖ እየን ነይረን፡፡ አብ መጨረሻ፡ እቱ ተኣማኒ በዓል ቤተንን ወደንን ብ1969ን ብ1970ን ዓ.ም. ሰለዝሞቱወን፣ ሻቡ ኣብ ዓቢይ ሓዘን ወዲቐን ነበራ፡፡
ድኅሪኡ እዚ ኹሉ ከዓ፡ ደቀንን ደቅ ደቀንን እናዕበያን እናስተምሃራን እንከለዋ፣ እቱ ዝነብራሉ ዝነበራ ከባቢ (ኢሮብ)፣ ብወተሃደራት ኤርትራ ተታሒዙ ስለዝነበረ፣ 100 ዝኾና ኣጣለን፡ 16 ከብትን፡ 6 ኣእዱገን ብወራር ተወስዱወን፡፡ ሻዕቱ ዝነበረን ንብረተንን፡ እቶም ኩሎም ደቀን ዝወለዳሉ ገዛኤንን፡ ቁም ንብረተንን ገዲፈን፣ ተፈናቕለን ተሰዳ፤ ናብ ኣዎ እተብሃለ ቦታ ከዓ ኸዳ። ድኅሪ ቑሩብ እንካባኡ ንዓዲግራት ኣቲየን፣ ምስ ልሕሳስ-ወደን (ፍጹም) እተወሰነ አዋርሕ ድሕር ጸኒሔን፣ ንመቐለ ተሰዳ። ድሕሪኡ አብ መቐለ፡ ምስ ደቂ ደቀን ተቐምጠን፣ ንደቅ-ደቀን እውን ጽላል ኮይነን፣ ፈለማ ኣብ ቤት ክራይ ተቐመጣ፡፡ ድሕሪኡ ብቤተሰብ ንመንበሪኤን ዚኸውን ቦታ ተገዚኡ፣ ገዛ ተሠርሐለን። ናይ ደቂ ደቀን ቆልዑ እናምሃራ፣ ንኩሉ ቤተሰብ መዕረፊ ኮይነን፣ ክሳብ ዝሞታሉ ግዜ፣ አብ መቐለ ተቐመጣ፡፡ እንካብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህውከት ንዳሐር'ውን፡ ናብቱ ዝፈትዋኦ ደውሃንን ማዶረን እንከይተመለሳ፣ አብ መቐለ ይነብራ ነይረን።

ናብ 104 ዓመት መኤተዊ ልደተን ብ24 ጥር 2009 ዓ.ም. ናይ ምሰጋና ቅዳሴ ተቐዲሱለን፣ ብቆሞስ አባ ጥዑም በርሄን ምክትል ቆሞስ አባ ሐጎስን ተዓጅበን፣ ብልደተን መዓልቲ እናተጻወታ ድሕሪ ውዒለን፣ ብጽባሕቱ ቅዱስ ቁርባን መጺኡለን፣ ንስሓኤን አቲየን፣ ቅዱሱ ቁርባነን ተቐበላ፡፡ እንካብ'ዚ ንደሓር ሓሚመን ምስተብሃለ፣ ኃይሉ ወደን እንካብ ደውሃን ብ14 የካቲት፡ አብርሃ ባረኪ ወደን ከዓ እንካብ ኢዲስ አበባ፡ ብ15 የካቲት 2009 ዓ.ም. ብ6 ሰዓት ኣትዮም፣ ጸሎት ገይሮምለን፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ድማ ኣብ መቐለ ብሰላም ዓረፋ፡፡ እንኪዓርፋ እንከለዋ፣ ምንም ናይ ጻዕሪ ምልክት እንከይ አርአያ፣ ብምንም ዓይነት ንማንም እንከየሸገራ፣ ብሰላም ከም ናይ ቅዱሳን ዕርፍቲ ኣብ ኢድ ደቀን ዓረፋ፡፡

ብ17 የካቲት 2009 ዓ.ም. ድማ ሓመድ-አዳም አብ ዓሊቴና ለበሳ፡፡ ድንቂ ዝኾነ መሳናበቲ ቐብሪ ሥነ ሠርዓት ድማ ተገብረለን፡፡ ኣብ ዋሽንግቶን (ኣመሪካ) እውን እቲ ኣብ ቐብረን ኪውዕል ዘይከኣለ ወደን፡ ኣባ ተስፋማርያም በራኺ፡ ምስ ካልኦት ሠለስተ ካህናት ኣብቲ መዓልቲ ቐብረን ብዙኅ ሕዝቢ ኣብ ዝተረኽበሉ፣ ብሥርዓተ ግዕዝ ዓብዪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቐደሱለን ጸሎተ ፍትሐት'ውን ከምዝገበሩለን ሰሚዕና። አብ ክልተ ቁምስናታት (ኢሮብ) ድማ፡ ክልተ 30 ቅዳሴታት ተቐደሱለን፡፡ እንካብ'ዙ ዓለም ካብ ዝሓልፋ፣ አብ ብዙሕ ቦታት እውን ብዙሕ ጸሎታትን ቅዳሴታትን ብዕድለን ከምዝተገብሩለን እናተገብረለን ምህላዉን ሰሚዕና።

ወ/ሮ ሓጎሳ እንክዓርፋ እንከለዋ፣ ገጸን ዳርጋ ከምብርሃን ይበርህ ነይሩ፡፡ ኩሉ ነገር እግዝአብሔር ባዕሉ ንሞተንን ንቐብረንን ኹሉ ኣዳልዉለን፣ ብደቀንን ደቂ ደቀንን፡ ቤተሰበንን፡ ፈተውተንን ቤተክህነትን ካብዚ ዓለም ተሰኒየን፡፡ ንነብሰን እግዚአብሔር አብ መንግሥተ ሰማይ ተቐቢሉ፣ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃበን!!! (ብኣባ ኣብርሃ ባራኪ ተዳለወ)



Mama Hagosa's Funeral Video

No comments:

Post a Comment